Tuesday, September 13, 2011

“ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ” (ሐዋ ፱፥፭/9፥5)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አሜን። 

መሠረት እዚ ቃል’ዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መልእኽቲ እዚ ቃል ድማ ነቲ ኣብ ምስጓግን ምክልባትን ምእመናን ከምኡውን ኣብ ምዕናው እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብትግሃት ዝወናጨፍ ናብ ዝነበረ ሳውል ብቀጥታ ዝቀንዐ እዩ ነይሩ። ሎሚ’ውን ንገለ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና ብገለ ዲያቆናት ዝርከብዎም ሰባት ንዝተፈጸመ ዘሕዝን ተግባር መሠረት ብምግባር፡ እቲ ንሳውል ዝተነግረ ቃል መጠንቀቕታ ከም መሪሕ ቃል ምዕዶ መሪጽናዮ ኣሎና። ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ንዅልና ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንአርአያን ንቤዛን ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ እዋን ናይ ኢዱ ተኣምራት ርእዮምን ናይ ቃሉ ትምህርቲ ሰሚዖም ብዙኃን ስዒቦሞ እዮም። ካብኣቶም ድማ ሚእትን ዕስራን ቤተሰብ ኃረየ። ጐይታ ስሌና ኣብ መልዕልተ መስቀል ድኅሪ ምስቃሉን ምማቱን ብሥልጣኑ ምትንሥኡን ድማ ንሓዋርያት ነቲ ወንጌሉ ናብ ምሉእ ዓለም ከብስሩ ኣዘዞም። ሓዋርያት ድማ ሑሩ ወመሐሩ ንዝብል ቃል ጐይታ ኣኽቢሮም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ሃምሳ ድኅሪ ምቕባሎም፡ ናብ ኵሉ ክፋል ዓለም ተዘርጊሖም ነዚ ጸልማት ዓለም ብርሃን ኮይኖም ከብርህዎ ጀመሩ። ማእከሎም ኢየሩሳሌም ገይሮም ድማ ነቲ ዓቢይ ምዕራፍ ብስራተ ወንጌል ኣብ ዝጀመሩሉ ወገብረ መድኃኒተ በማዕከለ ምድር ከምዝብል ምእንቲ ምድኃን ዓለም ኣብ ቀራንዮ እተሰቕለላ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም’ውን ብስብከት ሓዋርያት ዝያዳ ቅድሚ ኵሎም ትደምቕ ነበረት። 

ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ብወገን ኣይሁድ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ናይ ፈተናን ተጻብኦን ስጉምቲ፡ ብናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማእትነት ኣብ ሓደ ምዕራፍ በጺሑ ነበረ። እቲ ጥበብን መንፈስ እግዚአብሔርን ዝተዓደለ ሊቀ ዲያቆን እስጢፋኖስ ብትምህርቱን ብዝገብሮ ትእምርትን ተኣምራትን ንብዙኃን የእምንን፡ ነቶም ዝምጒትዎ ድማ በቲ ምላሹ የሕፍሮምን ብምንባሩ ኣይሁድ ብዙኅ ስለዝተበሳጨዉ ናይ ሓሶት ምስክር ብምቛም ከሲሶም ኣብ ጉባኤኦም ንፍርዲ ኣቕሪቦሞ ነይሮም። ንሱ ግና መጽሓፍ እናጠቐሰ ብትብዓት መለሰሎም። ስለቲ ዘይተገዝረ ልቦናኦምን ተሪር ክሳዶምን ኸኣ ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ብምጽራሮም ወቐሶም። ከምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ሕጂ’ውን ይገብርዎ ከምዘለዉ ነገሮምን ተነበየሎምን። ነቲ ካብ ጥንቲ ብኢድ መላእኽቲ ዝተቐበልዎ ክቡርን መንፈሳዊን ሕግ ወሥርዓት ስለዘይሓለዉ ድማ ወቐሶም። ነቲ ሓቂ ኣግሂዱ ስለዝነገሮም ድማ ልቦም ነደደን ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። ብዳርባ እምኒ ንኽቕተል ድማ ኣኅሊፎም ሃብዎ። 

ንሱ ግና ሥላሴ ምስኡ ስለዝነበሩ ሰማያት ተኸፊቶሙሉ ንወልደ እጓለ እምሕያው ኣብ የማነ አብ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ። ነዚ ዝገለጸሉ ድማ መንፈስ ቅዱስ ነበረ። ንሳቶም ግና ነቲ ዝብሎም ክሰምዕን ከስተውዕልን ዝተዓደለ እዝነ ልቦና ኣይነበሮምን። እኳ ደኣ ሰማያት ተኸፊቶም ንወልደ እጓለ እምሕያው ኣብ የማን ኣቦኡ ከምዝረኣዮም ብምዝራቡ ዝገደደ ሕጂ ንሰማይ ኣፍ ደገ ንእግዚአብሔር ድማ ውላድ ገበረሉ ኢሎም ክሳብ ሞት ክቕጥቕጥዎ ተበገሱ፤ ቀተልዎ ድማ። ኣብ ምቕታሉ ድማ ሳውል ሠሚሩ ነበረ። ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ ድማ ኣብነት ጐይታኡ ተኸቲሉ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በሎም፤ ነፍሱ ንጐይታ ኣማዕቝቡ ብሰማእትነት ዓረፈ። 

ኣይሁድ ነዚ ኵሉ ብክፍኣት እኳ እንተገብርዎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ንጽቡቕ ገበሮ። ክብሪ እግዚአብሔር ዝያዳ ንክግለጽን ክርስትና’ውን ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ኵሉ ክሰፍሕን ቃል ኣምላኽ ክዝርጋሕን ምኽንያት ኮነ። ከመይሲ ሽሞንተ ሽሕ ዝኣኽሉ ማኅበረ እስጢፋኖስ ድኅሪ ሰማእትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ኵሉ ከባቢ ሃገራትን ዓድታትን ተበቲኖም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ድኅነትን ቃሉን በብዝኸድዎ ኣብ ልቦና ሰባት ብምዝርኦም እዩ። እዚ’ውን ንኣይሁድ ስለዘየቕሰነ ሓደ ካብቶም ቀናዒ ሕጊ ዝነበረ ኣብቲ ኣብ እግሪ እቲ ስሙይ መምህረ ኦሪት ዝነበረ ገማልያል ዝተማህረ ሳውል ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ምእመናን ክዘርግን ክኣስርን ፍቓድ ረኺቡ ተበገሰ። ወሳውልሰ ዓዲሁ ይትቄየም አብያተ ክርስቲያናት ከምዝብል ኣንጻር ምእመናን ተላዒሉ ነበረ። ነቲ ሓሳቡ ክፍጽም ኣብ ዝተበገሰሉ ድማ ኣብ መገዲ ደማስቆ እንከሎ ሃንደበት ዘደንቕ ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። ሳውል ድማ ናብ መሬት ወደቐ። ጐይታ ክብሪ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ሳውል ሳውል ኢሉ ጸዊዑ “ንምንታይ እትሰጐኒ?” በሎ። እዚ ማለቱ ኸኣ ናይ ምእመናን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስደት ናቱ ስደት ስለዝኾነ እዩ ከም ናቱ ገይሩ እተዛረቦ። ኣስዒቡ ድማ ጐይታ “ይብእሰከ ረጊጽ ውስተ ቀኖት በሊኅ” (ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ) በሎ። ሳውል ድማ ጐይታይ እቲ ኣነ ዝሰጐካ መን ኢኻ በሎ። መንነት እቲ ዝተዛረቦ ጐይታ ምስ ፈለጠን፡ ኵሉ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ድማ ኣንጻር መን ምዃኑ ምስ ተረደአን ድማ እናፈርሀ “ጐይታይ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ” ኢሉ ጣዕሳ ዝመልኦ ሕቶ ኣቕረበ። ጐይታ ድማ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ነገሮ። 

ጐይታ ንሳውል ስለቲ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝገበሮ ሥራሕ ብምሳሌ ገይሩ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኃያልን ንጹርን እዩ ነይሩ። በቲ ተበጊስዎ ዘሎ ሥራሕን መደብን እንተቀጺሉ ጥፍኣት ኣብ ቅድሚኡ ከምዝተቐረበሉን፡ በዚ ኸኣ ኃያል ጕድኣት ከምዝስዕቦን እዩ ነጊርዎ። ኣብ ልዕሊኡ ደው ዝበለ ወይውን ሰይፊ ዝረገጸ ይጕዳእ እምበር እቲ ዝርገጽ ዘሎ ሰይፊ ዝጕዳእ ኣይኮነን። በዚ ምሳሌ ኸኣ ጐይታ፡ ንስኻ ሳውል ትጕዳእ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝጕዳእ እዩ ዝበሎ። ሳውል ነዚ መጠንቀቕታ ሸለል ኢሉ ኣይሓለፎን። እኳ ደኣ ስለ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጽቡቕ ዝገብር መሲልዎ ይገብሮ ብዝነበረ ምስጓግን ምብታንን ምእመናን (ቤተ ክርስቲያን) ሓዘነ፤ ኣብ ጣዕሳ ድማ በጽሐ። ጐይታ ድማ ጣዕስኡ ተቐበለሉ፤ ኅሩይ ንዋይ ክኸውን ድማ መደቦ። ስሙን ግብሩን ለወጦ። ቅዱስ ጳውሎስ ተባሂሉ ድማ ኣእማድ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝበሃሉ ሓዋርያት ወገን ኮነ። ብትምህርቱን ብግብሩን ድማ ብርሃን ዓለም ኮነ። ሓንሳብ ዕርፊ ወንጌል ምስ ጨበጠ ድማ ንድኅሪት ከይጠመተ፤ ነታ ቅድም ዘሳጓጋ ቤተ ክርስቲያን ብሰይፊ ተኸሊሉ ሰማእትነት ክሳብ ዝቕበል ብትብዓት ተጋደለላ። 

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ኣንጻር ርቱዕን ጥንታዊን ሓዋርያዊን ዝኾነ ትምህርትን ሥርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ንዝዓዩ፡ ምእመናንን ኣገልገልትን፡ ነቲ ኣቦታቶም ዘጽንሑሎም ትምህርትን ትውፊትን ተጠራጢሮም ካብ ሕቝፊን ደንበን ቤተ ክርስቲያን ክርሕቑ ምኽሪ በልዓም ንዝጥጅኡ፡ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ብመደብ ንዝኸፋፍሉ ዘለዉ ነፋሕቲ እምብልታ ‘ተሃድሶ’ መልእኽቲ እዚ ታሪኽ ከም ፀሓይ ዝደመቐ ንጹርን ሕያውን እዩ። ሎሚ’ውን ነቲ ቃል ጐይታ ብምድጋም ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርኩም ንርእስኹም እዩ ዚገደኩም ኢልና ሕውነታዊ ምኽርና ክንልግሰልኩም ንፈቱ። ጣዕሳኹምን ምምላስኩምን ድማ ንፈቱ። 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ምስ ብዙኃን ኣንጻራ ዝነበሩ ማኅበረ ኣይሁድ፡ ሓሰውቲ መምህራን፡ ቢጽ ሓሳውያን፡ መናፍቃን፡ ኣላውያን ነገሥታት ወቦ ዘተርፈ ክትጋደል እያ መዋዕላ ኣኅሊፋን ተኅልፍ ዘላን። ነቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ሓሰውቲ ነቢያት ገዲፍና ኣብ ዘመነ ሓዲስ እኳ ጐይታ ጸራዊ ዝበሎም፡ ኣብቲ ጽሩይ ስርናይ ክርዳድ ዝዘርኡ ከምዝትንሥኡ ተነጊሩ እዩ። ካብ ቃል ጐይታ ንዝተቐደሐ ጽሩይን ጥዑምን ወይኒ ትምህርቲ፤ ብሓዋርያት ንዝተሰብከ ቃል ጐይታ፤ ብሓዋርያነ አበውን ሊቃውንትን ንዝሰፈሐ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖት ክዘርጉ፡ መንፈሳዊ ሥርዓቱ ክልውጡ ዝፈተኑ፤ ብመሠረቱ’ውን እንተተኻእሎም ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ካብ ምድረ ገጽ ንምጥፋእ መዓልትን ለይትን ዝጸዓቱ ብዙኃን በብዘመኑ ተራእዮም እዮም። ብዘለዎም ሥልጣንን፡ ክገብርዎ ብዝኽእሉ ኵሉ ኃይልን ጥበብን እንተፈተኑ እኳ ብደም ክርስቶስ ንዝተጠርየት ቤተ ክርስቲያን መሠረታ ባዕሉ መድኅን ዓለም ስለዝኾነ ከናወጽዋ ኣይከኣሉን። ደጌታት ሲዖል’ውን ክኅይልዋ ስለዘይከኣሉ ድማ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተጻብዕዋ ኵሎም ክሓልፉ ከለዉ ቤተ ክርስቲያን ግና ከም ቀደማ ሕጂ’ውን ሕያው እያ። ሕያው ኮይና ኣብ ኵሉ መዋዕላ ክንዲ’ዚ ዘይብሃሉ እምብዛ ብዙኅ ሕያዋንን ቅዱሳንን ኣፍሪያ ኣላ። ሕጂ’ውን ብብዙኅ መገዲ ትፈተን እኳ እንተላ ሰለይ እናበለት ግና ጕዕዞኣ ትቕጽል ኣላ። ክሳብ’ቲ ዳግም ምጽኣት ድማ ነንዘመጸ ወለዶ ምስ እግዚአብሔር ከተራኽብን፡ ካብ እግዚአብሔር ዘይውዳእ ጸጋን ሕይወትን ከተውህብ ከምእትነብር ዝተዋህባ ቃል ኪዳን ጽኑዕን ዘይዕጸፍን እዩ። 

ሎሚ ብፍላይ ኣካል እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝኾኑ ገለ መንእሰያት መምስ ጊዜኡ ምስ ዝነፍስ ነፋስን ዝጋማዳሕ ማዕበልን ክድፍኡን፡ ብሰንኪ ምጒዳል እምነት (ምጥርጣር) ኸኣ ኣብ ባሕሪ ዓለም ክጥሕሉን ይረኣዩ እዮም። ብመሠረቱ ረቂቕን ዓሚቕ ንዝኾነ ትምህርትን ምሥጢርን ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ካብ መሠረቱን፡ ካብቶም ሊቃውንቲ ኣቦታት ተማሂርካ ዘይምዕባይ ዝሳዕቤኑ ጸገም ድማ ኣብ ብዙኃን ይስተውዓል እዩ። ቍንጹልን ከም ነፋስ ንዝሓልፍ ጊዜያዊን ዘመን ዘብቖሎን ፍልጠት ሒዝካ፡ ኣብ ጒዳይ ጥንታዊን ኵለንትናዊ (መጽሓፍ ቅዱሳዊ፡ ትርጓሜያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ትውፊታዊ) መሠረት ንዘለዎ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምንእኣስ፡ ነቲ ኣብ ነቢያትን ሓዋርያትን ንዝተሠረተ መሠረት ‘ክትእርም’ ምንቃድን ከተፍርስ ምፍታንን፡ ኣቦታት ቀደም ብጊሓቱ ብዓለም ለኻዊ ይኹን ብኣድያማዊ ጉባኤታት ምስ ዘውገዝዎም ‘ፍልስፍናዊ’ ትምህርቲ እናነጻጸርካን እናዋሰብካን፡ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ጥንተ መሠረቱን ብንጹር ከይተረድኣካ ‘ጌጋ’ ኢልካ ተቐላጢፍካ ምውሳንን ናብ ‘ካልእ ወንጌል’ ቀልጢፍካ ንምስጋር ዘሎ ተሃዋኽን፡ ንኣሥራው ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ገይሮም መዋዕሎም ክንደይ ኣገልግሎት ንዘበርከቱን ንዘበርክቱን ኣዋልድ መጻሕፍትን ትውፊትን ምቍንጻብ ወዘተ ብግሁዶ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሓፈሻ ናትካ ከይፈለጥካ እንዳ … ምትዕብባይን፤ ካብ ካልኦት ኣምጺኻ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንምትእትታዉ ዝግበር ሃቀነታትን፤ ምእመናን ንምንዋጽ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም በቶም ንቤተ ክርስቲያን ክህውኹ ብዝጽዕቱ ዘለዉ ውጉዛት ዝዝወር እኩይን ምስሉይን ዕላማ ይስተውዓል ኣሎ። 

ብመሠረቱ ሃይማኖት ክልወጥ ክመሓየሽ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ብዝኾነ ኣካል ክሕሰብ’ውን ኣይግባእን። ቀኖናን ሥርዓትን ንቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ገይሮም ክሥረቱ ከለዉ ክመሓየሹሉ ዝኽእለሉ ኣገባብ እንተሎውን፡ ከምቲ ሎሚ ገለ ሰባት ዘንቀድዎ ኣካይዳ ግና ዝተኸተለ ኣይኮነን። ብዙኅ ደረጃን መሥርሕን ዘለዎ እዩ። ንቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ገይሩ ካልእ ተዛመድቲ ጕዳያትን መርሚሩ ጉባኤ ክገብረሉን ውሳነ ክህበሉን ዝግባእን ዝኽእልን ድማ በይኑ ሓደ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ እዩ። ካልእ ዝኾነ ነዚ ክገብር ዝኽእል ኣካል የልቦን። ካብዚ ወጻኢ ክገብር ዝፍትን ድማ ካብ ቀኖና ሓዋርያት ወጻኢ ብምዃኑ፡ ሥርሑ ኮነ ንሱ ካብ ውግዘት ከምልጥ ዝኽእል ኣይኮነን። መንእሰያት ብፍላይ ከም ተተካእቲ መጠን ዝያዳ ትምህርቲ ሃይማኖትን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እናጽናዕና፡ ንእግዚአብሔር ባህ ብዘብሎ መንፈሳዊ ግብርን ትሩፋትን ኣብ ክንዲ ምግዳል፡ ንመንእሰያትን ዲያቆናትን ኣብ ዘይምልከትን ዘይምጥንን ውሳነታት ሃይማኖት ኣቲና ክንካታዕ ቅኑዕ መገዲ ኮይኑ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። 

ስለዚ ኣቐዲምና ኣብ መእተዊና ከምዝበልናዮ፡ በቲ ዝርካቡ ‘መወከሲታት’ ተመሪሕካ ንትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምልክት ሕቶ እናእቶኻ፡ ኣብ ምእመናንን ንኣሽቱን ብፍላይ ዲያቆናት ኣገልገልትን ጥርጥር ብምዝራእ ክሕደት ንምሕፋስ ዝግበር ውዲት ኵልና ክንነቕሓሉ ይግባእ። አዕይንተ እግዚአብሔር ካህናትን ሊቃውንትን፡ ከምኡ'ውን ልኡካነ ወንጌል ኣገልገልትን ኸኣ ነቒሕናን ተጊህናን ንኣባጊዕና ክንሕሉ ይግባእ። 

እቶም ብዘይፍላጥ፡ ነፋስ ምጥርጣር ነየው ነጀው ዘብለኩም ድማ ናብቶም ጽኑዓት ኰኵሐ ሃይማኖት ዝኾኑ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ቅርብ ኢልኩም ተትሓቱ ብዝበለጸ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ክትፈልጥዎ ምኽኣልኩም፤ ሕቶኹም ድማ ምላሽ ምረኸብኩሙሉ። ክሳብ ነቲ ርቱዕ ሃይማኖት ኣጽኒዕኹም እትሕዙ ድማ የማነ ጸጋም ቍሊሕ ምሊሕ እናበልኩም ናብ ካልእ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዝኾነ ደልሃመት ከይትኣትዉ፡ ኣብታ እምነት ኣቦታትኩም ዝኾነት ተዋሕዶ ሃይማኖት ጸኒዕኩም ክትጓዓዙ ንምዕደኩም። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዕለተ ሥነ ፍጥረት፡ ዓለመ መላእክት ብሰንኪ ትዕቢትን ሓሶትን ሳጥናኤል ምስ ተናወጸ፡ ቅዱስ ገብርኤል “ንቁም በብህላዌነ እስከ ነአምር ፈጣሪነ” ብምባል ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ዘረጋግኦም ንሕናውን ዘይንፈልጦ ነገር ክሳብ ንፈልጥ፤ ዘጠራጥረና ዘሎ’ውን ብቑዕ መልሲ ካብ መምህራን ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ እንረኽበሉ ኣብታ ጥንታዊት ሃይማኖት ጸኒዕና ንንበር ክንብለኩም ንፈቱ። ቤተ ክርስቲያን ንኵሉ ናብኣ ዝቀንዐ ሕቶ ብእምነት ንዝመጻ ዘዕግብ መልሲ ክትህቦ ምሉእ ብቕዓት ስለዘለዋ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዝፈትዎ ጸሎትን ጾምን ሰናይ ተግባራትን ጸኒዕና ምንባር ይግባእና። ብርእስኻ ካብ ምውሳን ነቶም ኣብ ርቱዕ ሃይማኖት ዘለዉ ካህናትን ሊቃውንት ምሕታት ከምዝግባእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና እዩ። ንኣቦኻ ሕተቶ ክነግረካ እዩ ዝብል ቃል ነዚ መሪሕ ክኾነና ይኽእል። ይትረፍ ናይ ምድርን ሰማይን ሥልጣን፡ መርኆ መንግሥተ ሰማያት ዝሃቦም ናይ ሓዲስ ኪዳን ካህናት፤ እስራኤላውያን ስለቲ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ክርክር ሕጊ፡ ናብታ እግዚአብሔር ዝኃረያ ቅድስት ስፍራ ክድይቡን፡ ነቶም ኣብቲ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ካህናትን ሊቃውንትን ክሓቱን፡ ዝበልዎም ጥራይ ድማ ሰሚዖም ክኸዱ እዩ ብእግዚአብሔር ተኣዚዞም። 

“ምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሢእካ ናብቲ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ዝሓረያ ቦታ ደይብ፡ ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይነግሩኻ። ከምቲ ኻብቲ እግዚአብሔር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሃሩኻ ዅሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ። ከምቲ ዝመሃሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይትዝበል። ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ኼገልግል ደው ዚብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዚኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፋእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።” ዘዳ ፲፯፥፱-፲፪ /17፥9-12) ይብል። (ተወሳኺ ምሳ ፳፪፥፰/22፥8 ኢዮ ፰፥፰/8፥8) 

ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክሥዕር ዘይመጸ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝሃቦም ሥልጣን ኣኽቢሩ ነቶም ናብኡ ክፈወሱ ዝመጹ “ኪዱ ንርእስኹም ንካህናት ኣመርምሩ” ከምዝበሎም ነስተውዕል። ናይታ ብደም ክርስቶስ ናይ ዝኸበረትን፡ መስቀሉ ናይ ዝጾረት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግልቲ ካህናት ደኣ ክንደየናይ ዘይበልጹ፤ ከመይሲ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ክርስቶስ ብቃሉ ሥልጣን ዝሃቦም ስለዝኾኑ። 

ስለዚ ነቶም እቲ ዝገብርዎን ዝተኸተልዎን መገዲ ሓቂ መሲልዎም፡ ብዕላማን ብመደብን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክርዳድ እናዘርኡ ነቲ ጽሩይ ስርናይ ክጽይቑ ንዝደለዩ፡ ተዃሉ ክነሶም ቁርበት በጊዕ ተኸዲኖም ንኣባጊዕ ቤተ ክርስቲያን ካብ ደምበኦም ክወስዱ ንዝጽዕቱ ግና ነቲ ንሳውል ዝተነግረ ቃል ከስተውዕልዎ ንላበዎም። ነታ ደም ክርስቶስ ዝመሠረታ፤ ቀራንዮ ዝዓንዳ፤ ዓጽመ ቅዱሳን ዝመንደቓ፤ ቅድስት ድንግል ዝመንበራ፡ ክርስቶስ ዝጉልላታ መኅደር ሥሉስ ቅዱስ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዝራግን ምእመናን ምጥርጣርን ምክፍፋልን ካብቲ ሳውል ዝፈተኖ ዘይፍለይ እዩ እሞ ብቃሉ ተጠንቀቑ ንብሎም። ንነፍስኹም ፍርሁ ኢልና ንምዕዶም። ጣዕሳን ምምላስን እምበር፡ ቅዱሳን ንዝተጋደለሉ ሃይማኖትን ቅዱስ ሕግን ሥርዓትን ሰጊርካ ምኻድን ብምኽሪ በልዓም ምጽናዕን ነቲ ሰይፊ መልኣኽ ምስትንዓቕ እዩ። 

ነዚ ቃል ምዕዶ ሰሚዕና እንተተጣዕሳና ድማ እንታይ ክንገብር ከምዝግባእና ዝነግሩና ሊቃውንቲ፡ ኣብታ ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ቤቱ ከምዘለዉ ከነስተውዕል ይግባእ። ንእኣቶም ንወከስ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ!!! ዝብል ቃል ጐይታ ኣብ ልዕሌና ከምዘሎ ኣይንስሓት። 

ነቶም ስለታ ርትዕቲ ሃይማኖትኩም እትጋደሉ ዘሎኹም አበው ካህናት፤ አኃው ዲያቆናት፡ ተምሃሮ ሰንበትን ምእመናንን ኸኣ እቲ ገድልኹም ምስ ሥጋን ደምን ስለዘይኮነ ኣብቲ እትገብርዎ ቃልሲ ጾምን ጸሎትን እናብዛኅኩም፡ ብእምነት ከምእትስዕሩ ፈሊጥኩም፡ ብዓቕልን ጥበብን ክትጓዓዙ ሓደራ ንብል። 

እግዚአብሔር አምላኽ ንዅልና ካብ ክሕደትን ኑፋቄን ኣርሒቑ፡ እንጸድቀሉ ኣእምሮ ይዓድለና።

No comments:

Post a Comment