Saturday, September 3, 2011

ጳጒሜን (ሣልሳይን መወዳእታን ክፋል)

5.0 ጳጒመ ኣብ ባህልና
ጳጒሜን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ትርጓሜን መልእኽትን ብውሑድ መጠን ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ። ዘመን ተኸቲሉ ምስቲ ሓረስታይ ሕዝብናን ምስ መሬትን ዘመናትን ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ጥንታዊ ኣነባብራናን ኸኣ ንጳጒሜን ናቱ ዝኾነ ባህላዊ ገጻት ኣልቢስዎ ይርከብ ኣሎ።

ባህልና ቅዱስ እዩ ክንብሎ ከሎና’ውን መሠረቱ ቅዱስ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እዩ። እቲ ብቃልን ብጽሑፍን እንፈልጦ ትእዛዛትን ፈቓዳትን እግዚአብሔር ኣብቲ ባህልና ብግብሪ ሰሪጹ ተዘሪኡ በቚሉ ተኮስኲሱ ፈርዩ ዝርከብን ዝረአይን ስለዝኾነ እዩ። ሎሚ ግና ኣይግድን!

ጳጒሜን ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ኅብረተሰብውን ዝልለየሉን ዝፍጸመሉን ናቱ ዝኾነ መግለጺ ኣለዎ። ገለ ካብኣቶም ኣኅጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና።
5.1 ጳጒሜን ሓረስታይን ጓሶትን
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ወርሓት ጳጒሜን መሰጋገሪ ናብ ሓድሽ ዓመት ከም ምዃና ብመንጽር ዘመን’ውን ክረአ አሎ ጠባያት ነፋሳት ዝቐያየረሉ መሳጋገሪ ኮይና ትጥቐስ እያ። እዚ ኸኣ ሓረስታይ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ካብቲ ኵሉ ዝሃልኮን መከራ ዝጽግበሉን ጭቃን ጨፈቅን፡ ጥምየትን ዝናብን፡ ቁርን ኣሳሕይታን ከምኡውን ናይ ማሕረስን ዘርእን ምጕልጓልን ወቦ ዘተርፈ ሰጊሩን ተገላጊሉን ናብቲ ሰማያት እናጸርዩ ዝኸዱሉ ብርሃን ዝበርሃሉ፡ ኣእካል ናብ ፍረን ሸዊትን ዝብጽሓሉ ተስፋ ምድሪ ዝልምልመሉ ብሓፈሻ ናብ ወርሓት ራሕስን ጽጋብን ንምስግጋር ዝቐራረበሉ ወርኃት እዩ።

ወርሒ ነሓሰ ሓሊፉ፡ እቲ ጻምኡ ክረክብ ፍሬኡ ክብልዕ ብተስፋ ብዝጽበ ሓረስታይ ጸየቕቲ ኣዋርሕ ተባሂለን ዝጽወዓ መዓልታት ጳጉሜን ምስ ተኣትወ ዝተፈላለየ ጥንቃቐን ኮለላን እናካየደ ይጸንሕ። ኣብ ዕለታት ጳጒሜን ኣብ ዝበዝኀ ክፋል ሃገርና ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ዝናም ዳርጋ ወዲኡ ኢዩ፥ በረኻ ለሚዑ፥ ዚዕምብበሉ ጊዜ፥ ዘራእቲ ዝፈርየሉ እዋን ኢዩ። ብበረኻ ክትሓልፍ እንከሎኻ ኣዋሕዝ ኪዛርዩ፥ ናይቲ ኣብ ገምገም መንገዲ እናጐላዕለዐ ዚበቈለ ሓዲስ ሳዕሪ ሽታ ተፈለዮ ኣይመጸካን።

እዚ እዋን እዚ ኣእካል ጨልቂዑ ክስውተሉ ዝቐረበ መዓልታትት ኮይኑ እቲ ሸኻን ጐቦታትን ብልሙእ ሳዕርን ለምለም ኣግራብን ዝተኸድነሉ ንጥዕና ዝሰማማዕ ጥዑም ነፋሳት ዝነፍሰሉ እዩ። እቲ ተሓሪሱ ተዘሪኡ ዝበቖለን ክስውት ዝቐረበን ልሙዕ ኣእካልን ኣግራብን ከኣ ንፋስ ነነው ነነው ከብሎ ከሎ ንኅሊናኻ ዝህቦ ዕግበት ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ፍስሓ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ።

ቀደም ኣብ ዓዲ ዝዓኾኹን ዝዓበዩን፡ ካብ ዓዶም ርሒቖም ኣብዚ ምዕቡል ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ክፋል ሕዝብና ኣብ ኸምዚ እዋን እዚ ናብ ዓዶም ኣብ ዝምለሱሉን ብኣዕይንቶም ብዝርእይዎን ብኣእዛኖም ብዝሰምዕዎ ናይ ጳጒሜን መልክዓ ምድርን ካልእን ኣካላቶም ዘስተማቕሮን ዝህቦም ሓጐስን፡ ብገንዘብ ዘይግዛእ መግለጺ ዝረኽቡሉ’ውን ኣይኮነን። ምስቲ ኵሉ ናይ ንእስነት ተዘክሮታቶም፡ ተሓድሶ ሰብነት ይፈጥረሎም። ኣብኡ ዘሎ ፍስሓ ወሐሴት’ውን ነቶም ምዕራባዊ ባህሊ ጥራይ ዝፈልጡ ደቆም ከረድኡ ክንደይ ከምዝጽገሙ ንርእዮም ኢና። ካብ ቅዱስ ባህልኻ ዝጥዕም ኣበይ ክርከብ?

እንስሳታት ዘቤት ብኵሉ ማለት ብሳዕሪ ብማይ ጽጉባት ስለዝኾና በሊዐንን ሰትየንን በብናተን ሓጐሰን ዝገልጽ ድምፂ ክድሃያ ምስማዕ ነቲ ዋንአን ሓረስታይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኵሉ ባህ ዘብል እዩ። ለምዒ ስለዝበልዓ ዒባአን ለምዒ እዩ። ፍረ ምድሪ ኣብዚ ቅነ እዚ ጌና ናብ ኣፍ ስለዘይበጽሕ ሓረስታይ ዕለት ድራሩ ኣብ ኣሕምልቲ እዩ ዝምርኮስ፤ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምሉእ ተስፋ ንኣምላኹ እናመስገነን እናተማኅፀነ ዓቕሊ ይገብር። እተን ኣሓ ጽጉባት ስለዝኾና ጸባ ከም ምስታይካ እዩ። ልኻይን ጠስሚውን ከምኡ።

ጓሶት ኸኣ ጥሪቶም እናጓሰዩ ሽግ ንቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ዝኸውን ይዓራርዩ፤ ይሰብሩ፤ የዳልዉ። ብቅጫን ጸባን ኣዝማደ ጸባን ተቋስዩ ዝተመልአ ከብዲ ድማ ብተሓጓስ ጥሪቶም እናኸብኮቡ ካብ ዝወፈሩሉ ክምለሱ ከለዉ ብድምፂ ጭጒራፍ ምምጽኦም የበስሩ። ብሓፈሻ እቲ ኣብዚ እዋን ጳጒሜን ዘሎ ኩነታት እምብዛ ብዙኅን ደስ ዘብልን እዩ ኢልካ ምጥቕላሉ ይሓይሽ።

5.2 ጳጒሜን ወራዙን (ኣጕባዝን ጕራዙን)

ቅድሚ ዑፍ ጩቕ ምባለንን ማይ ምጥዓመንን፡ ማይ ጳጒሜን ክሕጸባ ኣዋልድን መርዑን ዓዲ እኽሊ ከይጠዓማ ጌና መሬት ብጸልማቱ ከሎ ኣንጊሀን ካብ በብህድሞአን፦

“ኣደይ ኣብርህለይ ክወርዶ ማየ
ይብርሃኺ ጓለይ ውረድዮ ማየ”
ክርዳድ ዘይብሉ ዝዓረኽዎ
ሳዓ ዘይብሉ ዝመመኽዎ”

ብዝብል ባህላዊ ዜማ እናተቐባበላ ካብ በቤተን ተፋንየን ይወጻ። እዚ ኸኣ ብኣደ እናተመሰለት ዝዝመረላ ዘሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እዚ ኸኣ እተን ኣዋልድ ‘ኣደይ ኣብርህለይ’ ብምባል ናታ ኣማላድነት ተራዳእነት እየን ብዜማ ዝሓታ። እዚ ኸኣ ናብቲ ማይ (ማየ ሕይወት) ወሪድና ነፍስና ክንሕጸብ (ካብ ሓጢኣት ክንነጽሕ) ብርሃን ወድኺ ኣብርህልና እናበላ እየን ብምሳሌ ዝልምና። እዚ ኸኣ ብተምሳል ናይ ግዳም ንጽሕና ናይ ነፍስ ንጽሕና ክረኽባ እየን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማልዶ ዝሓታ። ኣብቲ ዝቕጽል ዜማ’ውን ከምቲ ክርዳድ ካብ ስርናይ ንፈልዮ፤ ነቲ ደቂቕ ካብቲ ፍሩይ እንፈልዮ ንሕናውን ካብ ሓጢኣትን ክፉእ ስራሕን ኣርሕቕና እናበላ እየን ዝልምና ዘለዋ።

“ጳጒመንየ ኣብ ማይ ጳጒመንየ
ትሕጸባ ዶ ኣብ ማየ ጳጒመን”

እናተበሃህላ ኸኣ ብምጽውዋዕን ብምትእኽኻብን፡ ከበሮ እናወቕዓን ድሙቕ ጣቕዒት እናጣቕዓን እናተዋዘያ ናብ ሩባ ይወርዳ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ብሓንሳእ ኮይነን በብነጸልአን ተኸዋዊለን ተሓጺበንን ተገጫጪበንን ምስቶም ኣጕባዝ እናተዋዘዩ ባህላዊ ጸዋታ እናተጻወቱ ጌና መሬት ኣጸቢቑ ከይበርሀን ከይወገሐን ከሎ ናብ ዓዲ ይምለሳ።

ከምኡ ኸኣ ኣብ ምምላሰን፦

“ኣደ ኣብርሃለይ ክወርዶ ማየ
ውረድዮ እዛ ጓለይ ጥዕና ኣለዎ እዚ ማየ
ተሓጺብክን ዶ ማይ ጳጒሜን ተሓጺብክን
ተሓጺብና እወ ጥዕና ኣለዎ”

እናበላ ብምጽዋት ናብ ዓዲ ይኣትዋ።

ን ቅዱስ ዮውሃንስ ብኽብሪ ንምቕባል ኸኣ ኵሉ በብናቱ ምድላዋቱ የጻፍፍ። ሕሩድን ሜስን ብወገን ሰብኡት፡ መግቢን ቀመማቱን ምስ ስዋ ብወገን ኣንስቲ፡ ክዳንን ቍኖን መመላኽዒን ሽልማትን ብወገን ኣዋልድ ወቦ ዘተረፈ ፍሉይ ምድላዋት እዩ ዝግበር። ብፍላይ ብወገን ሓደሽቲ መርዑን ዝግበር ድማ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ኵሉ መጽሓፋዊ መሠረት ዘለዎ ባህላዊ ማኅበረሰባዊን መንብሮ ብካህን ዓዲ ዝምከል ምዃኑ ድማ ዝተፈልጠ እዩ።

5.3 ምስላ
ምስላ፡ ናይ ሓደ ሕዝቢ ባህሊ፡ ውህሉል ተሞክሮን ልምዲ ኣነባብራን፡ ሥነ ሓሳብን ፍልስፍና ሕይወትን፡ እምነትን ኣመላካኽታን ወቦ ዘተርፈ ብውሑድን ጥሙርን ቃላት ዝገልጽ ከም ምዃኑ ጳጒሜን ኸኣ ካብኡ ብዘይተፈልየ ንዕኡ ዝምልከት ምሳሌ ተመሲሉሉ ኣሎ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ፦
  • ሓተላ ጳጒሜን ዘይርከብ ሓርእ-ተመን
  • ጳጒሜን የውጽኣና ካብ ጐመን (ሓምሊ) የብጽሓና ናብ ጽቡቕ ዘመን፡ ኵልና ንበል ኣሜን።
6. መደምደምታ
ብሓፈሻ እዋን ጳጒሜን ብዙኅ ትምህርትን መልእኽትን ከምኡውን ምስቲ ጥንታዊ ኣነባብራና ኸኣ ጥቡቕ ምትእስሳርን ዝምድናን ዘለዎ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ። ንስሓ ዝእወጀሉ፤ ብንስሓ ጽርየትን ተሓድሶ ሕይወት ዝርከበሉ፤ ምጽኣት ክርስቶስ ዝስበኸሉ፤ ብሥጋዊ ተምሳል ናብ ሓድሽ ዘመን መንፈሳዊ ምስግጋር ናብ ሓድሽ ሕይወት ዝዳለዉሉ እዩ።

እዚ ዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ ዘመን ናይ ሰላም፡ ናይ ፍቕሪ፡ ናይ ጸጋ ይግበረልና።

ዘመናት እናቀያየረ ኣብዚ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ካብ ኣጽናፈ ዓለም ክሳብ ኣጽናፈ ዓለም ምስጋናን ክብርን ይብጽሓዮ።

4 comments:

  1. ወልደቂርቆስSeptember 5, 2011 at 11:29 PM

    አሜን ወአሜን። ንኵልና ይግበረልና። ንዓኹም ድማ ሓይልን ብርትዐን ሂቡ ብዝበለጸ ንኽትሰርሑ እግዚኣብሄር ከቕንዓልኩም ትምኒተይን ጸሎተይን እገልጽ።

    ሓውኹም ወልደቂርቆስ ካብ አስመራ

    ReplyDelete
  2. ብጣዕሚ ደስ ዝብል ንባብ እዩ ኣምላክ ይሓግዝኩም::

    ReplyDelete
  3. Good one.. God bless your hard work..Happy Geez new year

    ReplyDelete