Friday, September 16, 2011

ጼዴንያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብ ሃገር ጼዴንያ ሓንቲ ኅርይትን ሃብታምን ማርታ እትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከም ኵሉ ዓለም ገንዘባ ከንቱን ጠፋእን ምዃኑ ሓሰበት’ሞ ንነፍሰይከ እንታይ ይጠቕመኒ፧ ! ከምቲ ወንጌል “ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ አጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ። ሰብ’ከ በጃ ነብሱ እንታይ ዘይምሃበ” (ማር ፰፥፴፮/8፥36) ድማ በለት። እዚ ነገር እዚ ሓሲባ ብገንዘባ ሰናይ ግብሪ ክትገብር ድማ ካብ ኵሉ ሰናይ ዝኾነ ነገር እንታይ ከም ዘሎ ተመልከተት፤ በታ ሰዓት እቲኣ ንአብርሃም ዓርኪ እግዚአብሔር፡ ጋሻ ንምቕባል ድልው ከምዝነበረን ንሥሉስ ቅዱስ ክቕበል ከም ዝበቕዐን፡ ሎጥ’ውን ብፍቕሩ ክልተ ሊቃነ መላእክት ኣብ ገዝኡ ከም ዝኃደሩ ዘከረት። (ዘፍ ፲፰፥፩-፭/18፥1-5 ፲፱፥፩/19፥1) ኃውቲ አልኣዛር ማርታ ነዳያን ከም ትቕበልን፡ ፍረ ናይዚ ድማ ንጐይታናን መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝመላለሱሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤታ ክትቕበሎ ከም ዝበቐዐት ዘከረት። (ሉቃ ፲፥፴፰/10፥38)


ናይዞም ሠለስተ ሰባት ሰናይ ግብሪ ካብ ልቢ ፈሊጣ ድማ ሰፊሕ ቦታ (ማኅደሪ) ኣጋይሽ ኣኅነጸት። ካብታ ዕለት እቲኣ ከምቲ ንጉሥ መርዓ ወዱ ጌሩ ዘብዕሎ ጌራ መኣዲ ምስራዕ ተተሓሓዘቶ፤ ንሳ ድማ ንርእሳ ሰማያዊ ሓሳብ ገበረት። ዕለት ዕለት ምቕባል ኣጋይሽ ኣብዝኀት፡ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ ቤታ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ኵሉ እንግዶት ምስ ረኸቡን፡ ነገረ መለኮትን ናይ ዝቐደሙን ኣቦታት ዜናን ትሓቶም ነበረት። ብኸምኡ ድማ ብዙኅ መንፈሳዊ ፍልጠት ተዋህልል ነበረት።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ኣጋይሽ ከም ልማዶም ኣብ ቤታ ኽሓድሩ ተኣከቡ። ንሳ ኸኣ ከም ኵሉ ዕለት ጥቕሚ ዘለዎ ሕቶ ሓተተቶም። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይታ ብክልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕሊ ዝሥዕሉ ከም ዘለዉ፡ በዛ ሥዕሊ እዚኣ’ውን ኵሉ ዝልምንዎ ከም ዝግበረሎምን፡ ካብቲ ኵሉ ዝከኣሎ ወዳ ለሚና ዝሰኣና ከም ዘየሎን ነገርዋ። ማርታ ነዚ ሰሚዓ ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ልባ ነደደት፤ ካብቶም ዝሥዕሉ ሠዓልቲ ናይ ድንግል ማርያም ሥዕሊ ገዚኡ ከምጽኣለይ ዝኽእል ገንዘብ ክህቦ እንዶ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ እንተሎ በጃኹም ድለዩለይ እናበለት ብንብዓት ለመነቶም። ሓደ አባ ቴዎድሮስ ዝተባህለ መነኮስ ኣብ ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዋ ፍቕሪ ርእዩ፡ “ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እየ’ሞ ብገንዘበይ ገዚኣ ከምጽኣልኪ፤ ደኃር ናባኺ ምስ ተመለስኩ ናይ ዝገዛእክዋ ዋጋ ካባኺ እቕበል በላ”። ሽዑ እግሩ እናሰዓመት፡ ኣጥቢቓ ኣማኅፀነቶ።

ንጽባሒቱ ኣንጊሁ ተንሢኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ። ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ምስ በጽሐ ከኣ ካብተን ቅዱሳት መካናት ተባሪኹ፡ ነቲ እታ ሰበይቲ ዝበለቶ ረሲዕዎ እናኸደ ከሎ፡ ንምንታይ እታ ሰበይቲ ዝበለትካ ረሲዕካ ዝብል ኅሊናዊ ቃል ሰሚዐ። በዚ ኸኣ ሰምቢዱ፡ ናብቲ ቤት መሸጣ ከይዱ ንምርኣያ ጽብቕቲ ሥዕሊ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ረኺቡ ዓደጋ። ብንጹሕ ኣልባስ ጌሩ ድማ ጠቕለላ፡ እታ ሥዕሊ’ቲኣ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝሠዓላ ይንገር። እቲ መነኮስ (አባ ቴዎድሮስ) ነታ ሥዕሊ ኣብ እንግድዓኡ ጌሩ መገዱ ናብ ሃገረ ጼዴንያ ኣምርሐ። ኣብ መገዲ እናኸደ ከሎ ኣንበሳ ክቐትሎ ደልዩ ኣናጓዘመ መጾ። እቲ መነኮስ ነቲ ኣንበሳ ግርማኡ ርእዩ ኣዝዩ ፈርሀ። ኣብ ፍርሃት ከሎ ድማ እታ ሥዕሊ ካብቲ ድምጺ ናይቲ ኣንበሳ ሸውዓተ ዕጽፊ ብዝኾነ ድምጺ ኣስምዓቶ። ብኡ ብኡ ኸኣ እቲ ኣንበሳ ከም ሓደ ፈረሰኛ ዝሃድኖ ዘሎ ብቕጽበት ሃደመ። ጸኒሖም’ውን ቅትለትን ምዝማትን ዝልማዶም ፈያት ምስ ረኸብዎ ድማ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ተኣምር ከም ነጐዳ ድምፂ ተዳህየት። ካብ ፍርሃት ዝተላዕለ ኸኣ እዚ ድምፂ ካበይ ከም ዝኾነ ከይፈለጡ ሃደሙ።

እቲ መነኮስ ነዞም ዘገርሙ ተኣምራት ርእዩ ብልቡ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ “ከምዚ ሕጂ ዝረኣኽዎ ክልተ ዓበይቲ ተኣምራት፡ ናብ ዓደይ ምድረ አግዓዚ ረዳኢት ክትኮነኒ ክወስዳ እየ” በለ። ንሱ ግና እታ ሥዕሊ ብፍቓዳ ከም ዝመጸትን ካብ መዓሙቕ ልቢ እታ ሰበይቲ (ማርታ) ዝተላዕለ ምስኣ ክትነብር ከም ዝኾነትን ኣይፈለጠን። ከም ካልኦት ኣቕሓ ካብ ነጋዶ ከም ዝሽየጥ ብዘይ ፍቓድ ብገንዘቡ ከም ዘምጽኣ መሲልዎ ነበረ። ከምዚ እናመኸረን እናሓሰበን ከሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ በጽሐ። ብዙኃን መራኽብ ረኺቡ ድማ ነቶም ሰብ መራኽብ ናበይ ዓዲ ኢኹም እትኸዱ? ኢሉ ሓተቶም። ሓደ ካብቶም ሰብ መርከብ ንጼዴንያ ዝበሎ ኃዲጉ፡ ናብቲ ብኻልእ መገዲ ናብ ምድረ አግዓዚ እየ ዝኸይድ ዝበሎ በዓል መርከብ ደየበ። ኣብታ መርከብ ተሰቒሉ ኣብ ማእከል (ፍርቂ) ባሕሪ ምስ በጸሐ ድማ ብርቱዕ ንፋስ ተላዕለ። ብዘይ ድሌቱ ከኣ ናብ ናይ ጼዴንያ ዝበጽሕ ወደብ ወሰዶ። በዛ መገዲ እዚኣ ገይሩ ድማ ከይፈተወ ናብ ቤት ማርታ ብልቡ ከምዚ እናበለ ኣተወ “እታ ሥዕሊ ክገዝኣላ ዝተማኅፀነትኒ ሰበይቲ ኣነ ምዃነይ ኣበይ ከይትፈልጠኒ” በለ፤ ምስቶም ነጋዶ ተሓዊሱ ድማ ናብ ቤታ ኣተወ። ብሕቡእ ናብ ዓዱ ክኸይድ ብጊዜ ሠርክ ክወጽእ እንተበለ ከኣ ምውጻእ ሰኣነ። በዚ ከምዚ ከኣ ንሠለስተ መዓልትን ለይትን ፈቲኑ ምዃን ኣበዮ። ምኽንያቱ ማዕፆ ተኣምር ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚኡ ስለዝተዓፅወ እዩ። ኣፍደገ ማዕፆ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝኣተዉን ዝወጹን ርኅው ነበረ። ኣንፈቱ’ውን ኣይተለወጠን።

ማርታ ኵሉ ጊዜ ነቶም ዝኃደሩ ኣጋይሽ ክሳብ ኣፍደገ ማዕጾ ምፍናው፡ ነቶም ንመገዶም ስንቂ ዘይብሎም ድማ ኣስኒቓ ምፍናው ልማድ ነበራ። ነዚ መነኮስ እዚ ክወጽእ እናደለየ ምውጻእ ግና ዘይክእል ኮይኑ ረኣየቶ። “ኦ አባ እንሆ ከምዝሓመመ ሰብ ኮይንካ እርእየካ ኣሎኹ ሎሚ ኅደር እሞ ጽባሕ ትኸይድ፤ ቤተይ ኣጋይሽ ንምቕባል ስሩዕ እዩ” በለቶ። ንሱ ድማ “ሕራይ” በላ። ንጽባሒቱ ክኸይድ እንተበለ ከም ናይ ቀደሙ ምኻድ ሰኣነ መሊሳ ከኣ ኣኅደረቶ። “ኦ አባ እንታይ እዩ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ ነገር?” በለቶ። አባ ቴዎድሮስ ኣፍ ከፊቱ ብሕፍረት ከምዚ በላ “ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከለኹ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ከምጽኣልኪ ዘማኅፀንክኒ ኣነ ምዃነይ ኣይዘከርክንን ዲኺ?” በላ። ንሳ ድማ “ናብ’ዚ ቤት ዝኣትዉን ዝወጹን ብዙኃን እዮም ከመይ ገይረ ከለልየካ” በለቶ። ድኅሪ’ዚ ነታ ሥእሊ ካብ ዝገዝኣ ኣትኂዙ ክሳብ እታ ሰዓት እቲኣ ኵሉ ኣብ መገዲ ዝረኣዮ ተኣምራት ነገራ። እዚ ምስ ነገራ ነታ ሥእሊ ካብ ትሕቲ ሕቝፉኡ ኣውጺኡ እንሆ እዛ ኣደናቒት ዝኾነት ሥእሊ እንኪ ኢሉ ንማርታ ሃባ። እቲ ዘደንቕ ነገር፡ እታ ሥእሊ ሥጋ ዝለበሰት ትመስል ነበረት፤ ማለት ከምቶም ሰብ ጥበብ ምስ ፍቁር ወዳ ዝረኸብዋ እያ ትመስል። ማርታ እዚ ነገር እዚ ሰሚዓ ካብ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተላዕለ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኣባ ቴዎድሮስ ሰገደት። ካብ ኣእዳዉ ነታ ሥዕሊ ተቐቢላ ከኣ ከም ንግሥቲ እሌኒ በቲ ናታ ዕልልታ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኵሎም ክሳዕ ዝእከቡ ብሓጐስ ዕልል በለት። ቤት ሠሪሓ ድማ ብዓቢይ ክብሪ ኣቐመጠታ። ኵሉ ጊዜ ብየማናን ጸጋማን፡ መዓልትን ለይትን ዘይጠፍእ መብራህቲ ተብርሃላ ነበረት። ኣብ ቅድሚኣ ኮይና ትሰግድን “ሰላም ለኪ” እናበለት ክትድቅስ እኳ ካብኣ ኣይተፈልየትን። ሰብ ከይተንክፋ ኢላ ከኣ መጋረዲ ሓጺን ገበረት። ምእንቲ እቲ ቅብኢ (ርሃጽ) ካብታ ሥዕሊ ዝነጥብ ዝነበረ’ውን ኣብ ሓደ ምእንቲ ክእከብ ኣብ ትሕቲ እታ ሥዕሊ ጻሕሊ ገበረት።

እቲ መነኮሳ’ውን ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ነታ ሥዕሊ ምስ ማርታ ኮይኑ ይሕልዋ ነበረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ድማ እዛ ሥዕሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጼዴንያ ዓዲ ማርታ ኣብ ፲ መስከረም ከምዝበጽሐት ተሰምዐ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ዜናኣ ምስ ሰምዐ ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ኵሉ ሕዝብን ኣኸቲሉ ናብኣ መጸ። ነታ ሥዕሊ ምስ ረኣይዋ ልክዕ ሥጋ ከም ዝለበሰት ኮይና ረኸብዋ። በዚ ኣምላኻዊ ሥራሕ ድማ ኣዝዮም ተገረሙ። ሽዑ ካብቲ ንብዓትን ርሃጽን እናቐድሑ ብዙኃን ብሕማም ተታኂዞም ዝነበሩ ሕሙማት ሓወዩ። ካልኦት’ውን ንበረኸት ወሰዱ፤ እቲ ቅብኢ ድማ ይመልእ እምበር ቀልጢፉ ኣይጐድልን ነበረ። ነዛ ሥዕሊ እዚኣ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዝዋ ምስ ደለዩ ድማ ኣብ ጼዴንያ ዓብይ ዕልቕልቕ ኮነ። ብዙኃት ሰባት’ውን ሞቱ። እዛ ሥዕሊ እዚኣ ክሳዕ ሕጂ’ውን ኣላ። ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ዕለት እዚኣ ከነኽብራ ግዘት ሰሪዖሙልና እዮም።

ጸሎታን በረኸታን፡ ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።
ሰላም ለሥዕልኪ እንተ ሠዓላ በእዱ
ሉቃስ ጠቢብ እም ወንጌላውያን አሐዱ
አመተቀብዑ ማርያም እምሐፈ ሥዕልኪ ቅብዐ ናርዱ
በሕማም እኩይ እለ ደወዩ ወውኅዱ
ጽዑራነ ምድር ጥዕዩ ወጥቀ ፈድፈዱ
እዚኣ ዕለት እዚኣ ማለት ፲(10) መስከረም ካብተን 33 ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወላወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር

ምንጪ፦ ተአምረ ማርያም ስንክሳር ፲ መስከረም። (ካብ መጽሔት ደብረ ኤፍራታ 6፥2/ጥሪ 2001 ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያም፡ ቅዱስ ዑራኤል፡ አቡነ እንድርያስ ዝተወስደ)

No comments:

Post a Comment