Monday, September 12, 2011

"ምስ መባእስትኻ ተዓረቕ"


ዘመንን ፍኖተ ሕይወትን


ወትሩ ምስጋናን ውዳሴን ዝግብኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዕድመ ንንስሓ፡ ዘመን ንፍስሓ እናሃበ ኣብዚ ኣብጺሑና ኣሎ። ካልኢታት ንደቃይቕ፡ ደቃይቕ ንሰዓታት፡ ሰዓታት ንመዓልትታት፡ መዓልትታት ንሰሙናት፡ ሰሙናት ንኣዋርኃት፡ ኣዋርኃት ድማ ንዓመታት እናወለዱን እናተዋለዱን ካብ ዘመን ናብ ዘመን የሰጋግሩና ኣለዉ። ትማሊ ወይውን ቅድሚ ዝተወሰነ ሰዓታት ወይውን ደቃይቕ ከምቲ ስሩዕ ናብቲ ድኅሪኡ ዝቕጽል ክሰግር ከሎ ምምልላእን ምውሕላልን ፈጢሩ ሓደ ዑደት ምስ ፈጸመ ኣብ ዝተወሰነ እዋን “ሓድሽ ዘመን” ንብል ኣሎና እምበር ካብ ዘመን ናብ ዘመን ክቕየር ከሎ ዝፍጠር ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍሉይ ዝላ ጊዜ ወይውን ፍሉይ ተርእዮ የልቦን። ግና እግዚአብሔር ንኵሉ ገጊዜኡ ስለዝሃቦን በብጊዜኡ ስለዝፈጸሞን ስለዝፍጽሞን ዘመን በብዝተመደበሉ ክቀያየር ግድነት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚ ለውጢ ዘመን ኸኣ ምእንቲ ከነስተውዕሎ ኣብ ሕይወትናን ከባቢናን፡ ኣብ ሰማይን ምድርን ኣብ ኵሉ ፍጡር ብዘሎ ዑደትን ለውጥን ክንርእዮ ገበረና። ነቲ ድንቂ ፍጥረቱ ክፈጥር ከሎ’ውን በብዕለቱ ገበሮ። ንዕለት ድማ መዐቀኒ ጊዜ ገበረሉ። ነቲ ዝዕውድ ጊዜያት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ንዝፍጸም ነገራት ምስ ሕይወትና ብምዝማድ ምእንቲ ከነስተውዕል ጐይታ ኵሉ ፍጥረት ከምዚ በለና። “መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ወግሔ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን?” (ማቴ ፲፮፥፪-፫/16፥2-3)።

ኣልፋ ወዖ ዝኾነ ዘይልወጥ ሓደ እግዚአብሔር እዩ እምበር ፍጡር ኣብዚ ዓለም መጀመርታን መፈጸምታን ኣለዎ። ይመጽእ ይኸይድ፤ ይውለድ ይዓቢ ይዓርግ ይመውት፤ ይቕልቀል ይስጉም ይሓልፍ፤ ይበቝል ይፈሪ ይሓርር። ነቲ ኣብ ፍጡር ዘሎ ቀጻሊ ለውጢ ኸኣ መዐቀኒ ኮይኑ ከገልግል ካብ እግዚአብሔር ንፍጡር ዝተዋህበ ዝዓበየ ጸጋ ድማ ዘመን(ጊዜ) እዩ።። ገሊኦም ፍጥረታት ኸኣ ነዚ ዘመን ከም መሳርሒን ከም መዐወዲን ኮይኖም ከገልግሉ ብእግዚአብሔር ተመደቡ። ወዲ ሰብ ምስ ዘመንን ጊዜን ብዘለዎ ፍሉይ ርክብ ኸኣ ካብ ዝኾነ ፍጡር ንላዕሊ ንዘመን ክጥቀመሉ ክፍትንን ብዓቕሙ ድማ ክጸባጸቦን ይረአ። ኣብ ዘመን ጸኒዑ ኸኣ እቲ ክገብሮ ዝግባእን ብኣምላኽ ዝተኣዘዘን እናዓየየ፡ ኣብ ፍኖተ ዘመን ክጓዓዝ ይርከብ። እዚ ከኣ ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ተፈልዩ፤ ሞይቱ ማሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚኡ ዝጽበዮን ዝሳተፎን፡ መብጽሒ ፍኖቱ ዝኾነ ዓቢይ ጉባኤ ስለዘለዎ ንዘመን ግድን ከስተውዕለሉ ስለዘለዎ እዩ። ንሱ ኸኣ ትንሣኤ ዘጉባኤ እዩ። ትርጒም ዘመን ብንጹር ክርድኣና ዝኽእል’ውን ፍጻሜ ጒዕዞና ምስ ንፈልጥ ኸኣ እዩ።

ዘመን ፍኖት እዩ። እዚ ፍኖት ግና ንቕድሚት እምበር ንድኅሪት ክትጓዓዘሉ ዘፍቕድ ኣይኮነን። ንቕድሚት ኣርሒቕካ ከተማዕዱ እምበር ነጢርካ ክትዘሎ ዘፍቕድ ባይታ የብሉን። ንድኅሪት ግልጽ ኢልካ ዘዝሓለፍካዮ ክትርእዮ እምበር ዳግማይ ክትምለሶ ኅድገት ዘለዎ ኣይኮነን። እምበኣር ኵልና ፈቲና ጸሊእና ኣብዚ ፍኖት’ዚ ኣሎና። እቶም ዝቐደሙ ኣበው ጒዕዞኦም ፈጺሞም ኣብቲ ምዕራፍ ፍኖቶም ነቶም ዝትክእዎም ኣረኪቦም ነቲ ዘመን ተፋንዮሞ ሓሊፎም። እቶም ዝትክእዎም ድማ ከምኡ። ለባማት ከምቲ ዝግብኦም፡ ዓያሹ ድማ ብኣንጻሩ ተጓዒዞሙሉ ኣብዚ ፍኖተ ዘመን ብኣምላኽ ዝተሰፍረ መዋዕሎም ፈጺሞም። ንሕና’ውን ግዴና ተረኪብና ፍኖትና ወዲእና ነቶም ዝቕጽሉ ድማ ከምንገድፎ ዘይሰሓት መስርዕ ጒዕዞ ዘመን እዩ። እዚ ኸኣ ብእግዚአብሔር ዝተሰርዐ እምበር ብሰብ ዝተቐመረ ኣይኮነን። ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ፍኖት ኸኣ ሰባት ከከም ግብሮም፡ ገሊኦም ክነዓዱን ክሙገሱን ከለዉ ገሊኦም ድማ ክውቀሱን ምዃኑ ጽሑፍ እዩ። እቲ ዘሕዝን እቶም ዝተወቕሱ፡ ጣዕሳኦም ዘይምለስ መጸናንዒ’ውን ዘይርከቦ ብምዃኑ እዩ። እቲ ቤት መርዓዊ ኣብ መወዳእታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ተዓጽወ ዘይክፈት ስለዝኾነ። እቲ ካብቶም ዝቐደሙ እንመሃሮ፤ ካብቲ ጒዕዞ ዘመን’ውን እነስተውዕሎ እምበኣር ንሕና’ውን ፍኖትና ሓጺር ምዃኑን፡ ኣብ ዘሎናዮን ክንዓየሉ ኣብ ዝግብኣናን ጊዜ ድማ ዝተኣዘዝናዮ ከም ፈቓዱ ነቒሕና ምግባር ግድን ከምዝኾነ እዩ። ምኽንያቱ ጽባሕ እቲ ማዕጾ ከይተዓጽወና ከሎ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገና ኮይኑ ንዝዅሕኳሓና ዘሎ ሰሚዕና ኣፍ ደገና ነርኅወሉ። ደጊም እምበኣር እቲ ዝዓበየ ነፍስ ወከፍና ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ንርእስና ክንሓቶ ዝግባእ ሕቶ፦ ዘመንና ከመይ ንነብሮ ኣሎና? እንታይ ከኣ ፈጺምናሉ፤ እንታይ ከ ረቢሕናሉ ዝብል ይኸውን።

ብመዐቀኒ ዘመን፡ ሓደ ዘመን ንዘይምለሶ ክፋኖን ካልእ ዘመን ኸኣ ጋሻ ኮይኑ ግዲኡ ለጊቡ ክመጽእን ከሎ፡ እቲ ንዓና ዝህቦ ዝዓበየ ረብሓ፡ ሕሉፍ ክንግምግምን ክንጸባጸብን፤ መጻኢ ክንትልምን ክንውጥንን መንቕሒ ደውል ዝድውልን፡ መዘከሪ ዓውዲ ዝኸፍትን ምዃኑ እዩ። ሰብ ኣብ ልዕሊ ጊዜን ዘመንን ሥልጣን የብሉን። ጐይታ ዘመንን ጊዜን ሓደ በይኑ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ግደ ሰብ ግና ነቲ ብእግዚአብሔር ተመጢኑ ንዝተዋህቦ ጊዜ ብግቡእ ከመሓድር፡ ክዓየሉ፡ ወሪዱን ደይቡን ክኸስበሉን እዩ። እምበኣር ሓድሽ ዘመን ክመጽእ ከሎ ብሥጋ ይኹን ብነፍስ እቲ ዝሓለፈ እንታይ ሰሪሕናሉ፡ ኣበርኪትናሉ፡ ኣፍሪናሉ ኢልና ክንግምግምን ካብኡ ተበጊስና ኸኣ ንዝበለጸ ስራሕ ክንተግህን ዝያዳ ከነፍርይን፤ ዝሓለፈ ድኽመታትና ክንእርምን እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ኢልና ንምሕሳብን ንምብጋስን እዩ። ንሱ ኸኣ እዩ ረብሓ ሓድሽ ዘመንን እቲ ዝበለጸ ቀዳዊ ምዕራፍ ሕይወትን።

ጊዜ ንሰብን ምእንቲ ሰብን ተፈጥረ ደኣ እምበር፡ ሰብ ንጊዜን ምእንቲ ጊዜን ኣይተፈጥረን። ሓደ ጊዜ በቲ ካልእ ተተኪኡ ናብ ዘይምለሰሉ ክጉዓዝ ከሎ እቲ ሓድጊ ዕድመን ጸብጻብ ታሪኹን እዩ። ብዝኅን ምውሳኽን ዕድመ ብዘይ ሰናይ ግብርን ኣበርክቶን ንበይኑ ዘዛረብ ካብ ዘይኮነ፡ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንዝነበሮ ክሳራን መኽሰብን ከይገምገምካ ብዕሙት ዓይኒ ንኻልእ ሓዲሽ ዓመት ምብጋስ ዕሽነት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብዝምልከት ብምስላ ንዝመሃረና ብምስትውዓል ምንባቡ ዝያዳ ከገድሰና እዩ። “ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሠረት ምስ ሠረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ? ወይስ ኣየናይ ንጉሥ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉሥ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር? እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ።” ይብለና (ሉቃ ፲፬፥፳፰-፴/14/28-30)። ስለዚ ስለቲ እንውጥኖን እንገብሮን፤ ዝጀመርናዮን ክንጓዓዘሉ ዝግባእና ኣቐዲምና ርግእ ኢልና ምሕሳብን ምስትንታንን ከምዘድሊ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ቍምነገራት ፍኖተ ሕይወት እዩ። ዓሻ እንተዘይኮይኑ ነቲ ዝኸደሉ ዝግባእ መገዲ፤ መዓስን ብኸመይን እንታይ ከምዘድልዮን እንታይ ከ ክስንቕ ከምዘለዎን፤ ኣብ ጒዕዞኡን ፍጻሜኡን ከኣ እንታይ ከምዝገብርን እንታይ ከ ከምዝጽበይን ዘይሓስብ መን ኣሎ? ነቲ ክበጽሖ ዝደሊ ፈሊጡ ዘይብገስ ወይውን ናበይ ይኸይድ ከምዘሎ ዘይፈልጥ ኣብዚ ዓለም እንታይ ኢና ክንብሎ?

ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን

ስለዚ ኵልና ስለታ ሓንሳብ ካብ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህበትና ሕይወትን ፍኖታን ብዝግባእ ምሕሳብ ነቲ ደው ዘይብል ጊዜ ብዝያዳ ክንኸስበሉን ክንጣበበሉን ዘኽእለና እዩ። ቅድምን ልዕልን ኵሉ ድማ ክቡራን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝያዳ ክሓስቡ ይግባእ። እግዚአብሔር ብክቡር ደሙ ኣብ ዝተጠርየት ቅድስት ቤቱ ዝሾሞምን ዘጠንቀቖምን ንሳቶም ስለዝኾኑ። ስለቲ መጓሰን ጒስነቶምን ክመኽሩን ክላዘቡን ይግባእ። ኣብ ልዕሊ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተሾሙ ደኣ ብዛዕባ እንታይ እሞ ክመኽሩን ክግምግሙን ዘይግባእ? ንሳቶም ስለ ኵሉ እንተዘይመኺሮምን እንተዘይጸልዮምን መን ደኣ ክምክርን ክጽልይን? ንሳቶም ናብ እግዚአብሔር ጸልዮም በረኸትን ረድኤትን፡ ጸጋን ሰላምን እንተዘየውሪዶም እቲ ካልእ ኸ ካበይ ከምጽኦ? ስለ ትንሣኤን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ ሓድነትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ መንበርን ጉባኤያትን ርቱዕን ትምህርቲ፡ ስለ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን፡ ስለ ሃይማኖትን ምግባር ትሩፋትን ምእመናን፡ ስለ ዕብየት ገዳማትን ታሪኻዊ ሃብትን፡ ስለ ጽፉፍን ምእኩልን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ ኣገልግሎት ካህናትን ናብርኦምን፡ ስለ ጒስነት መንእሰያትን ህጻናትን፡ ስለ …  እቲ ዝርዝር እንውድኦ ኣይኮነን።

ከመይ ኣሎና? ኣብ ዝሓለፈ እንታይ ሰሪሕና? ውጽኢቱን ገምጋሙን ከ? እንታይ ከ ይጽበናየ ኣሎ? ምስቲ ቅልጡፍ ዘመንን ምዕባለታቱን ማዕሪኡ ንገጥም ዶ ኣሎና? ልብን ሓሳብን ምእመናን ብቀረባ ንርድኦ ዶ ኣሎና? ሕግታትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘመን ኣቦታትና ይኽበር ዶ ኣሎ? ሱታፌ ኣገልግልቲ ይኹን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ኣሎ ዶ? ሎሚ ብውጥን ናይ ምስራሕን ሥራሕና ብመቐን ጊዜ ናይ ምውህሃድን ምግምማን ኣካይዳ ኣጥሪና ዶ? ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝዝራእ ክርዳድ ትምህርትን ዝእለም ውዲትን ነስተውዕሎ ዶ ኣሎና? ብስም ጥንቁልናን ጽዩፍ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝስልጥን ዘሎ ግብረ ጸልማት ኸ? ወቦ ዘተርፈ ሕጂውን እቲ ክምከር ዝግብኣሉ ዝርዝር ኣርእስቲ ማእለያ የብሉን። ኣቦታትና ብሓቂ ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ፡ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይኖም ክመኽሩሉን ክውስኑሉን፤ ኣብነት ኮይኖም ሰሪሖም ከስርሑን ትጽቢት ኵሉ ፈቃር ቤተ ክርስቲያኑን ሃገሩን ዝኾነ ሕዝቢ እዩ።

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ብመንጽር ሓዊረ ፍኖት ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ነገር ሕማቕ እዩ ነይሩ ክንብል እንተዘይደፈርና’ውን፡ ኵሉ ነገር ግና ጽቡቕ ዘይምንባሩ ሳምዕ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ንኣቦታት ምዝክኻርና’ውን ጠፊእዎም ኢልና ዘይኮነሲ ንስለታ ኵልና ዕብየታን ጽባቔኣን እንብህጋ፡ ብጸጋ ጥምቀት ካብ ቅድስት ሥላሴ ዝወለደትና እመ ኵልነ አሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንብልን ኣብቲ ዘለዎም እንተወሰኽናሎም ብምባል ምዃኑ ከም እትርዱእልና ንትስፎ። ስለዚ ፍኖት ቤተ ክርስቲያንን ጒስነታን በብኽፍሉ ብመንጽር ራእይና ምግምጋሙን ንጹር ትልሚ ምህንጻጽን ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ፡ ብዝያዳ ኣብ ዝባን ኣቦታትና ዝተጻዕነ ዘየቕስን ዕዳ ምዃኑ ዘይክወል ሓቂ እዩ። ስለቲ ክግበር ዘለዎ እሞ ድቃስ ዘየድልዮ ጒዳያት ቤተ ክርስቲያን ምኸሩ፤ ወስኑ፤ ኣብቲ ዝተወሰነ ድማ ብግብሪ ኣብነት ኹኑና ንብል።

ንኣገልገልቲ

ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነስ ኵልና’ውን ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ በብዘለናዮ ማዕርግን ደረጃ ኣገልግሎትን፡ ክፋል ዓለምን ሕይወትን ምግምጋም ግድን ከድልየና እዩ። ኣብ ኵሉ ጽፍሒ ዘሎና ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ስለቲ ሕዚናዮን ተዋሂቡናን ዘሎ ሓላፍነት፡ በቲ ኣብ ልዕሌና ዘሎ ስዩመ እግዚአሔር ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቢኡ ብእግዚአብሔር ንሕተተሉ ስለዝኾንና ሕሉፍ ክንግምግም መጻኢ ድማ ንዝበለጸን ዝሓሸን ስራሕ ምድላውን ምብጋስን የድልየና። ንኵሉ እቲ ሓሳባትና ኸኣ ኣብ ናትና ውሳኔ ጥራይ ክንሓጽሮ ዘይኮነስ ምስ ኵሎም መተዓያዪትና ብፍቕሪ ክንመክርን ብሓድነት ክንሰርሕን ይግባእ።

ሎሚ ሓደ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ናይ ዘመንና ሓቂ ኣብ ቅድሜና ከም እምባ ተገቲሩ ኣሎ። ኣብ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ ተዋሕዶ ብፍላይ ኸኣ ወለዲ ምእመናን ንኣምላኾም ክምኅጸኑን ብጸሎት ክራኽቡን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብዝያዳ ምግስጋሶም እዩ። ስለ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣፍልጦ ከዕብዩ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ነገራት ዝያዳ ከስተውዕሉን፡ በቲ ጽቡቕ ክሕጐሱ በቲ ሕማቕ ዝያዳ ክሓምሙ ንርእዮም ኣሎና። እጃሞም ከበርክቱ ዘለዎም ድሌትን ተበግሶን ኸኣ ዝያዳ እናኃየለ ይመጽእ ኣሎ። መንእሰያትን ህጻናት’ውን ከምኡ። ቃለ እግዚአብሔር ክሰምዑን ሕይወቶም ምስቲ ቃሉ ከዛምዱን፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ሓልዮም ክኸዱ ብዓቕሞም ወጣኒ መንፈሳዊ ገድሊ ዝጀመሩሉ ተርእዮ እዩ ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ። ነቶም ኣብ ዓለምን ፍቓዳን ጥራይ ጥሒሎም ዝነበሩ፤ ናይ ዓለም ነገር ሰናይ ፍጻሜ ከምዘይብሉ ብምርዳእ ነቲ ቃለ እግዚአብሔር ዝያዳ ዝጸምዑሉ ጊዜ እዩ ዝስተውዓል ዘሎ። ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ዳኅረዎት፤ እቶም ቀዳሞት ዳኅረዎት እናኾኑ መንግሥተ ሰማያት ብኃይሊ ይዳፍእዎ ይዛረፍዋን ከምዘለዉ ኣዕይንትና ይምስክራ ኣለዋ።

ይኹን ደኣ እምበር እዝን ከምዝን እወታዊ ለውጥታት ኣብ ምእመናን እኳ እንተተራእየ፡ እቲ ብግቡእ ንምጒሳዮም ብወገን ኣገልገልትን ላዕካነ ወንጌልን ዘሎ ምድላዋት (ቃላዊ ጽሑፋዊ ግብራዊ) ምስቲ ደፊኡ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ዘይመጣጠን ኣዝዩ ትሑት እዩ ክበሃል ይከኣል። ብዓቢኡ ኸኣ ተወሃሂድካን ሠሚርካን ንሓንቲ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ምስራሕ ከም ሰማይ ርሒቑና ይርከብ። ኵሉ ነናቱ ክጅምርን ክገብርን ደኣ እምበር፡ ሓደ ምስቲ ካልእ ዘይመሃሃረሉን ዘይተሓጋገዘሉን ኵነት እዩ ዘሎ። ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ብካህናትናን ዲያቆናትናን መንእሰያትናን ዝውሰድ ዘሎ ሰናይ ናይ ስራሕ ውህደትን ተበግሶን፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ክንርእዮ ዘይምኽኣልና ኣብነት ናይዚ ኣበሃህላና እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን እንተኾነ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ይኹን ኣብ ሃገረ ስብከታት ዘሎ ናይ ስራሕ መንፈስን ውህደትን ከምቲ ትማሊ ዝነበሮ ሎሚ’ውን ኣብ ምምስጋን ከምዘይበጸሐ እዩ ኵሉ ዝርዳእ።

ምውጣን ጥራይ ዘይኮነስ ተበግሶን ግብርን ከሰንዮ ከሎ እዩ ፍረ ዝርከቦ። ብዝኾነ ኵልና ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ኣገልገልቲ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንዝፈላልዩናን ጋሻ ትምህርቲ ከንቕበል ንዝጒስጉስና ወጊድ ኢልና ካህናትናን ምእመናናን ንሓንቲ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክንዓዪ ይግባእ። ቅድሚ ኵሉ ግና ኣብ በብዘሎና ተጊህና ቤተ ክርስቲያንና ምግልጋል፡ ብጸሎትን ብጾምን ነቂሕና ንእግዚአብሔር ምሥምር፡ ብርሃንና ዘብርህ ኣብነታውያን ኣገልገልቲ ምዃን፡ ምእመናን ማዕበልን ነፋስን ከየናውጾም፤ ክርዳድ ከይዝርኣሎም ምሕላውን ምምሃርን የድሊ። ንዝሓለፈ ገምጊምና ድኽመታትና ኣለሊና ንዝያዳ ስራሕ ብጾምን ብጸሎትን ከምኡውን ሰናይ ግብርን ተሰኒናን ክንትንሥእ የድልየና። ስንፍና ከነውግድ ትግሃት ከነጥርይ ይግባእ። ፈሊጡ ዝደቀሰ እንተዘይኮይኑ ደም ኵሎም ምእመናን እግዚአብሔር ካብ ኢድና ክደልዮ ምዃኑ መን ኣገልጋሊ እዩ ክስሕቶ ዝኽእል?    

ንምእመናን

ዘሎናዮ እዋን ናብ ሓድሽ ዘመን ከም መሳጋገሪ ድንድል እዩ። ምእመና’ውን እዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብ ሓደ ዘይንምለሶ ናብቲ ካልእ እንትስፈዎ እንሳገረሉ ድንድል ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግባእ። ብዝግባእ ንምስግጋር ኸኣ ብልህን ትእግስትን ይሓትት፡ ጥበብ ከኣ የድሊ። ንዝሓለፈ ሕይወትና ምግምጋም፡ ነቲ ዝመጽእ ኣካይዳና ኣብ ዝሓሸ መገዲ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ረቋሒ እዩ። ሎሚ ንርእስና ባዕልና እንተሓተትናያን እንተመርምርናያን፤ ካብቲ ዘይተርፈና ሕቶ ክንድኅን ንኽእል። ንኵልና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ እንቐርበሉ ‘አይቴ ነበርከ ምንተ ገበርከ - አይቴ ነበርኪ ምንተ ገበርኪ’ (ኣበይ ነይርካ/ኣበይ ነበርኪ፡ እንታይ ገበርካ/እንታይ ገበርኪ) ንዝብል ሕቶ  ንኣምላኽ ከይሓፈርና ብትሕትና ክንምልሰሉ እንኽእል ሎሚ ኣበይ ኣሎኹ ኢልና ንርእስና ምስ ንሓትት እዩ። ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ፈጸምኩ፤ እንታይ ከኣ ኣፍረኹ ኢልና ምስ ንጽብጽብ፤ ብቀሊሉ ዝገበርናዮን ዘይገበርናዮን ክንፈልጦ ይከኣለና። ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ ፈሊጥና ክንበገስ ከምዘድልየና ክንርዳእ ንኽእል። ስለዚ ሃይማኖትና ኣብ ምጽናዕ፤ ተጊህና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎት ብምስታፍን፤ ከምኡውን ጽድቂ ዘውህብ ሰናይ ተግባራት ኣብ ምፍጻምን ከመይ ከምዘሎና ምግምጋም እዋኑ ሕጂ እዩ። ንሱ እዩ ድማ እቲ ጊዜ ምድኃን ተባሂሉ ዝተነግረና። ካብቲ ዝተጋገናዮ ክንምለስ፤ ካብቲ ዝረሓቕናሉ ክንቀርብ፤ ካብቲ ዘሎናሉ’ውን ብዝያዳ ተጊህና ከነገልግል ቤተ ክርስቲያን ትጽውዓና ኣላ።  ጐይታናን ኣምላኽናን ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኑ ኳሕኳሕ የብል ኣሎ። ዝኸፍተሉ ድማ ይጽበ። 

ስለዚ ብሓፈሻ ኣብዚ ንነብረላ ዘላና ዓለም ብልዑል መንፈሳዊ ጥበብን ትእግስትን፤ ሕሉፍ እናገምገምና መጻኢ ውጥናት እናሃንጸጽና ንዝበለጸ መንፈሳዊ ዕዮ ክንብገስ፤ ብቃልን ትእዛዝን ኣምላኽና እናተጓዕዝና ኸኣ ነቲ ዘይሓልፍ ዓለም ዝኾነና ስንቂ ክንቋጽር እዩ እዚ ሓዲሽ ዘመን ዘለብወና።

ዘመን መሳርሒ ፍኖት እዩ። ብዝግባእ እንተደኣ ተጠቒምናሉ ከዕውተና እዩ። እንተዘይሰሪሕናሉ ኸኣ ከውድቐናን ነቲ ከሳሲና ኣሕሊፉ ክህበና እዩ። ኣብዚ ፍኖት ክንጓዓዝ ከሎና ድማ ኣካይዳና ርጡብ ክኸውንን ንመገድናን መካይዳትናን ክንፈልጠሉ ከምዝግባእና ተነጊሩና እዩ። ኣብዚ ፍኖት ምንባር ምግዳል ማለት እዩ፦ ምግዳል ምስ ፈቓደ ሥጋ፤ ምስ ፈቓደ ዓለም፤ ምስ ጸላኢ ሰናያት። ጐይታ ክነግረና ከሎ ነቲ መባእስትኹም ፍለጡሉ ኢሉ መሲሉ ዝነገረና ኸኣ ነዚ ዝምልከት እዩ። “ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ።” (ማቴ ፭፥፳፭/5፥25) ስለዚ ደቂ ኣብርሃም ኢሎም ይምክሑ ከምዝነበሩ ዓያሹ ፈሪሳውያን ከይንኸውን፤ ከምተን ርቱዕ ሃይማኖት ምስ ሰናይ ግብሪ ኣጣሚረን ዝሓዛ ለባማት ደናግል ኮይንና፡ ኣብዚ ፍኖተ ዓለም ጽድቂ ዓዲግና ዘመንና ብጥበብ ክንሻየጦ ይግባእ። ሽዑ እዩ ድማ ሓድሽ ዘመን ማለት ሓድሽን ዝተቐደሰን ሕይወት ምዃኑ ብዝያዳ ዝርድኣና። ምድሪ ኣብዚ ሓድሽ ዘመን ኣፍላጋታ ጸርዩ ለምሊማን ብእምበባታት ወቂባን ብፍረታት ዘቒብባ ከምእንረኽባ፡ ንሕና’ውን ኣብዚ ሓድሽ ዘመን ብንስሓ ዝጸረየ፤ እግዚአብሔር ብዝፈትዎ ግብረ ጽድቅን ትሩፋትን ዝዓምበብናን ዝፈረናን ኮይንና ክንርከብ ይግባእ። ኵልና በብዘለናዮ ንዝበለጸ ስራሕ ሓቋቜና ተዓጢቕና ክንብገስ ኣሎና።

ስለዚ ኣብ ፍኖትና ነቲ ክኸሰናን ኣኅሊፉ ክህበናን ንዝደሊ መባእስትናን በሊህ ንኾነሉ። ኣብ ዘመነ ሕይወትና ብርትዕት ተዋሕዶ ሃይማኖት ጸኒዕና፡ ከምቶም ቅዱሳን ኣቦታት ውሉደ ብርሃን ኮይንና ብሰናይ ግብሪ ዘጊጽና ኮይንና ንረኸብ። ከምኡ እንተደኣ ገይርና እቲ ለይቲ ክወግሕ፤ እቲ ጸልማት’ውን ብብርሃን ክቕንጠጥ እዩ። እቲ ዝበለየ’ውን ሓዲሽ ክኸውን እዩ።
ት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ዘመንና ይባርኸልና፤ ይቐድሰልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

2 comments: