Thursday, September 15, 2011

ክፍለ ዘመን ብመንጽር ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

፭. ክፍለ ዓመት ክረምቲ

ካብ ፳፮ ሰነ ክሳዕ ፳፭ መስከረም ዘሎ ጊዜ ክረምቲ ይብሃል። ክረምቲ ሸውዓተ ንኡሳን ክፍልታት ኣለዉዎ።

፭.፩፦ ዘመነ ዘርእ ደመና ምሳሌ ዘርእ፡ ጊሜ፡ ክረምት (፳፮ ሰነ ክሳዕ ፲፰ ሓምለ (ድሮ ቂርቆስ))፦ ናይ ዝናምን ደመናን ዘርእን በቝልን ግዜ እዩ። እግዚአብሔር ንዝናም ኣብ ዝደለዩሉ ቦታ ስለ ዘዝነመን፤ ንዝተዘርአ ዘርኢ ስለዘብቖለን፤ ንምድሪ ብማይ ስለዘጽገባን ዘስተያን ነቲ ሓረስታይ ድማ ስለዘሐጐሰን ምስጋና ይቐርበሉ።

፭.፪ ዘመነ መብረቅ፡ ባሕር፡ አፍላግ፡ ጠል (፲፱ ሓምለ ቂርቆስ ክሳዕ ፱ ነሓሰ)፦ ብዛዕባ መባርቕን ነጐዳን፤ ቀላያትን ኣፍላጋትን ምስጋና ንእግዚአብሔር ይቐርበሉ።-
(ካብ ባሕቲ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ጾመ ፍልሰታ)


፭.፫ ዘመነ ደሰያት፡ ዕጒለ ቈዓት፡ ዓይን ምንጭ (፲ ነሓሰ ክሳዕ ፳፯ ነሓሰ)፦ እግዚአብሔር ንጨቓዊት ኣሞራን ከምዝምግቦምን ዓይኒ ኵሉ ፍጥረት እግዚአብሔር ተስፋ ጌሩ ከምዝነብር ዝዝከረሉ እዩ።  

፭.፬ ዘመነ ጎህ፡ ጸባሕ፡ መዓልት፡ ነግህ ብርሃን (፳፰ ነሓሰ አብርሃም ክሳዕ መወዳእታ ጳጒሜን)፦ እዚ ጊዜ ወጋሕታ ብርሃን ይብሃል። እቲ ብጸልማት ዝምሰል እዋን ክረምቲ ክውዳእ ከምዝቐረበ የመልክት። ጳጒሜን ናይ ጐይታናን ዳግም ምጽኣት ዝዝከረሉ ጊዜ እዩ።

፭.፭ ዘመነ ዮሐንስ (፩ መስከረም ክሳዕ ፰ መስከረም)፦ ዘመነ ዮሐንስ ይብሃል። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ብድኅሪኡ ንዝመጽእ ክርስቶስ ክቕበሉን፡ ናይ ንስሓ ፍረ ከፍርዩን ከምዝመሃረ ዝዝከረሉ ጊዜ እዩ።

፭.፮ ዘመነ ፍሬ (፱ መስከረም ክሳዕ ፲፮ መስከረም)፦ እዚ ዘመን ዘመነ ፍሬ ይብሃል። እግዚአብሔር ንዝተዘርአ ዘርኢ ንፍረ ከምዘበቕዐን፡ ንሰባት ስለዝሃቦ ጸጋን ብዛዕባ ዝተፈላለየ በረኸቱን ምስጋና ይቐርብ።

፭.፯ ዘመነ መስቀል (፲፯ መስከረም ክሳዕ ፳፭ መስከረም)፦ ዘመነ መስቀል ይብሃል። ንናይ ጐይታ መስቀል ኣይሁድ ቀቢሮም ንብዙኅ ዓመታት ድኅሪ ምጽንሑ ቅድስት እሌኒ ከምዝረኸበቶ፤ ኣብ ምርካቡ’ውን መስቀለ ክርስቶስ ብዙኅ ዘደንቕ ተኣምራት ከምዝገበረን፤ ብስም ቅዱስ መስቀሉ ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ቤቱ ከምዝኸበረ ዝዝከረሉ እዋን እዩ።

፮. መጠቓለሊ

ብሓፈሻ ዘመናትን እዋናትን ብኸምዚ መገዲ ሠሪዕካን ንእግዚአብሔር ምግልጋልን ሕዝቢ ብቃለ እግዚአብሔር ምምግባን ከምኡውን ሥርዓት ምህንጻጽን ክሳብ ክንደይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኵለንተንኣ ብዝጸፈፈን ብሓድነትን ምሉእ ኣገልግሎት ከምእትህብ ዘመልክት እዩ። እግዚአብሔር ገሊጹሎም ቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ብምግባር ነዚ ሥርዓት ዝሓገጉ ኣቦታት ዝተመስገኑ እዮም።
ምእመናን ይኹን ላዕካነ ወንጌል ኸኣ ነቲ ብሓጺሩን ብጥቕሉልን ኣቕሪብና ዘሎና ኣከፋፍላ ወትሩ ካብቶም ሊቃውንትና ኣስፊሕና ብምፍላጥ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ከኅይሉ ይግባእ።
ኣብዚ ክስተውዓል ዘለዎ ንሕና ብሓጺሩ ነቲ ዘመናት ከፋፊልና ርኢናዮ ደኣ እምበር ካብዚ ብዝዓሞቐን ብዝሰፈሐን ዳርጋ መዓልታዊ ክብሃል ዝግብኦን በብሰሙኑ ንዝተሰርዐ ሥርዓት ይትበሃል ባዕልና መጻሕፍተ ግጻዌ ብምምልካት ክንፈልጥ ከምእንኽእል እዩ። ንኵሉ ኣብኡ ዘሎ ዝርዝራዊ ስያመታት ምፍላጥ ድማ ሓጋዚና እዩ።

ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር መዋዕልና ይባርኸልና፤ ኣገልግሎትና የስፋሕልና።

No comments:

Post a Comment